ስደተኛታት – መሰረታዊ ስትራቴጂታት ንዘላቒ ተሳትፎ ኣብ ስራሕ ዓለም

| Veranstaltung 

ቴማ ሶቨራን ፕሮጀክት – መዓልቲ ሰብሞያ "ትካላት ስደተኛታት – መሰረታዊ ስትራቴጂታት ንዘላቒ ተሳትፎ ኣብ ስራሕ ዓለም" ኣብ ኣዳራሽ ኬል ሲቲ

 

ኣብ መፋርቕ ሕዳር 2019, መድረኽ "MigrantischeOrganisationen – SouveräneStrategienfür die nachhaltigeTeilhabe am Arbeitsmarkt" (ስደተኛታት – መሰረታዊ ስትራቴጂታት ንዘላቒ ተሳትፎ ኣብ ስራሕ ዓለም" ኣብ ፅላል ቴማ ሶቨራን ፕሮጀክት – migrantische Selbstorganisation zur beruflichen Integration" (ዓርሰ -ምሕደራ ስደተኛታት ንተሳትፎ ስራሕ) ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣዳራሽ ካውንስልኬል ሲቲ ተሳሊጡ ነይሩ።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር ካውንስልስደተኛታት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ማርቲን ሊንክ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዕቤት ዕድል ስራሕን ስደት ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሰባት መሰረት ጌሮም መደረ ኣቕሪቦም ነይሮም። ኣብ መደረኦም ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ኩሉ እናተጋፈሐ ይመፅእ ምስ ዘሎ ኣተሓሳስባ ፅልኢት ዘይተወለድቲ ዓዲን ዘርኣዉነትን ዓርሰ - ምሕደራ ዋሳኒ ምዃኑ ኣብሪሆም። ዋላ’ኳ ንትካላት ስደተኛታት እትሕግዝ ሃገር ትሃሉ እምበር ካብ ማሕበረሰብ ዝብገስ ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን ግና ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክስራሕ ይግባእ።

ኮይኑ ግና ዘላቒ ውሕስና ስራሕ ንምምፃእ ኣብ ዝተገበሩ ወሰንቲ ስራሕቲ ዓርሰ -ምሕደራ ስደተኛታት ትኹረት ከይተውሃቦ እዩ። ብምዃኑ ከዓ ፋርዛኔህ ቫጂ-ቮብ ቴማ ጥምረት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ኣተኣታቲያ - ንሰው ውን መተሓባበሪት እቲ ጥምረት እየን። ተሳተፍቲ እቲ መዓልቲ ሰብሞያ ቅርፂ ኣሰራርሓ እቲ መደብ ጥምረት ብዕምቆት ገምጊሞም ውፅኢታዊ ክኸውን ግደኦም ከበርክቱ ትፅቢት ይግበር። ካብዚ ብተወሳኺ ጥምረት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ዝህቦም ግልጋሎታት ምኽርን ዝበርክቶም ውፅኢታዊ መፍትሕታትን ብምግላፅ ንፈጠርቲ ስራሕ ኣእምሮኣዊ ምንቕቓሕ ዝፈጥር ሓሳብ እውን ኣቕሪበን።

ስዒቡ ድማ ሰራሕተኛ ምትሕብባር ጥምረት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ዝኾነ ኦርሊ -ቢለ ኣኮኖ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዝተሳለጠ ቀንዲ ሓሳባት ፕሮጀክት ሶቨራን - "SOUVERÄN – migrantischeSelbstorganisationzurberuflichen Integration" (ዓርሰ -ምሕደራ ስደተኛታት ንተሳትፎ ስራሕ) ኣልዒለን። ሶቨራን መሰረታዊ ፕሮጀምት ቤ ምኽሪ ስደተኛታት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን እዩ። ድሕረ ባይታ ስደት ዘለዎም ሰባት ዓርሶም ንምኽኣልን ኣብ ስራሕ ዓለም ንምስታፍ ንምህናፅ ዝሓስብዎ ኣሰራርሓን ስትራቴጂን ኣብ ዝህልዎም ምንቅስቓስ ይሕገዙን ግልጋሎት ምኽሪ ይረኽቡን። ወ/ሮ ቢለ አኮኖ ከምዝገልፀኦ እቲ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት ስሩዕ ከይዲ ሓልዮም ንዝኸፍትዎ ዓይነት ስራሕ ይኹን ፋይናንሳዊ መማረፅታት መሰረት ዝገበረ ግልጋሎት ምኽሪ ክረኽቡ ይገብር።

 እቲ ግልጋሎት ዝወሃብ ኣብ መላእ ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ንዝረከቡ ድሌት ዘሎም ኩሎም ኮይኑ ብፍሉይ ድማ ኣብ ገጠር ንዝነበሩን ንደቂ ኣንስትዮን ትኹረት ይህብ። ስደት ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሰባት ዓርሶም ንክኽእሉን

ኣብ ስራሕ ዓለም ብዘላቕነት ንኽሳተፉን ኣብ ዝሕንፅፁዎ ኣሰራርሓን ስትራቴጂን ይሕገዙን ይተባብዑን።

ድሕሪ ዕረፍት ንጡፍ ተሳትፎን ክልተ ደስ ዝብሉ ገለፃታት እውን ተሳሊጦም። ፕሮፌሰር ዶ/ር ቫሲሊስ ፃያኖስ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣፕላይድ ሳይንስ ኬለ ምሕደራዊ ዘርኣዉነት ኣብ ልዕሊ ትካላት ስደተኛታት ዘብፅሖ ፅልዋ ኣቕቦም። ማሕበረሰብ ግሪክ ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝበፅሖን ምሕደራዊ በደላት ከም ኣብነት ፀሪሖም። ብሽም ሃገራዊ ማሕበረሰባዊነት ዝፍፀሙ በደላትን ገበናት ብዙሓት እዮም ኢሎም። ካብዚ ብተወሳኺ ጀርመን ኣብ ሃገር ንዘነብሩ ይኹን ሓደሽቲ ኣተውቲ ዝሕግዝ ከይዲ ምዝገባ ስደተኛታት ክፉት ክትገብር ይግባእ ኢሎም።

ካልእ መደረ ዘስመዐት ማርያ ኦኮኖሚዶ እያ። ንሳ ኣባል ሃገራዊ ጥምረት በርሊን - ማሕበር ሕብረ-ባህላዊ ስራሕ ኮይና መካዲት ስራሕ ፕሮጀክት ቪልኮሜን በርሊን እውን እያ። ኣብ ስደተኛታት ኣድሂቦም ንዝሰርሑ ትካላት እውን ወሃቢት ቃል ኮይና ትሰርሕ። ንሳ ኣብ ዘቕረበቶ ሓሳብ ምጥያሽ ትካላት ስደተኛታትን ምሕጋዝ ስደተኛታትን መሰረታዊ ጉዳያት ምዃኖም ኣረጋጊፀን።

ኣብ መወዳእቲ እቲ መዓልቲ ሰብ ሞያ ኣብ ሞንጎ ተወከልቲ ትካላት ስደተኛታት ማለት እውን ኣሓት - ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካን ማሕበረሰብ ቱሪካዉያን ሽሌስቪህ - ሆልስቴን፣ ከምኡ ውን ተወከልቲ ሃገራዊ ጥምረት ሽሌስቪህ - ሆልስቴንን ሃገራዊ ጥምረት በርሊንን - ድሙቕ መድረኽ ምይይጥ ተሳሊጡ እዩ። ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ዓርሰ-ምሕደራ ስደተኛታት መሰረታዊ ምዃኑ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እዩ። ናፅነትን ዓርሰ ምሕደራን ድሌት ሓደ ማሕበረሰብ ንምዕዋትን ንምጥንኻርን ባይታ ዘንፅፉ መሰረታዊ ነገራት እዮም። ውሽጣዊ ጥንካረታት ክብሪ ይወሃቦምን ኣብ ረብሓ ይውዕሉ ፤ ዓርሰ እምነት ብምህናፅ ስራሕ ዝጠልቦ ድልዉነት ክህሉ ይገብር። ንደቂ- ኣንስትዮ መሰረት ዝገበረ ዓርሰ-ምሕደራ ስደተኛታት ምፍጣር ደቂ ኣንስትዮ ዓርሰ ብዓርሰን ክተሓጋገዘ ዕድል ዝፈጥር ብምዃኑ ኣድላይነቱ ኣየጠራጥርን። እቲ መዓልቲ ሰብ ሞያ ብድሙቕ ድግስ ዝተዛዘመ እንትኾን ባህ ዝብል ኩነታት ፈጢሩ እዩ።

እቲ መድረኽ ሳይሳዊ ኣስተምህሮታት፣ ፕሮጀክትታትን ጥምረታትን ኣብ ሓደ ዘራኸበ እዩ ነይሩ።

ሰደተኛታት ዓርሰ0-ምሕደራን ምትሕግጋዝን ዝህቦም ረብሓ እሂን ምሂን ዝተብሃልሉ ዕድል እውን ፈጢሩ እዩ።

እቲ መድረኽ እዞም ስነ-ሓሳብ ዘላቒ ተሳትፎ ኣብ ስራሕ ዓለም ይኾን ብሓፈሻ ኣብ ማሕበረስ ንኽፍጠር ክንደየናይ ኣገደስቲ ምዃኖም ዝተርኣየሉ እውን ነይሩ።

Back