ብዛዕባና
ፕሮጀክት ሶቨራን - "SOUVERÄN – migrantischeSelbstorganisationzurberuflichen Integration" (ዓርሰ -ምሕደራ ስደተኛታት ንተሳትፎ ስራሕ) ብካውንስል ስደተኛታት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ሓገዝ ገንዘብ ዝንቀሳቐስ እዩ። እቲ ፕሮጀክት ስደት ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ብፍላይ ከዓ ኣብ ገጠር ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ንዝነብሩ ሰባት ሓገዝ ዝህብ እዩ። ስደት ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት በዚ ፕሮጀክት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝረኽቡ እንትኾን ብፍላይ ኣብ ስራሕ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ንዝሕንፅፁዎም ስትራቴጂታት ግልጋሎት ምኽሪ፣ ስልጠናን መዕበዪ ዓቕምን ይህብ። ካብዚ ብተወሳኺ ሞያው ተሳትፎ ንክህሉ ኣቓልቦ ሂቡ ዝሰርሕ ፕሮጀክት ውን እዩ።
ንጡፋት ተሳፍቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ስደተኛታት ብሓገዝ ፕሮጀክት ሶቫራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓርሰ -ምህደራ ዘሳልጡ ብዙሓት ትካላት ከጣይሹ ክኢሎም እዮም።
ጥምረት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን "Integration durchQualifizierung (IQ)" (ጥምረት ብውፅኢት) ንኹሉ ዘሳትፍ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከባ ዝተፈላለያ ትላላትን ፕሮጀክትታትን ብምስራሕ ንስደተኛ ድሕረ ባይታ ሰባት ናብ ስራሕ ዓለም ክፅንበሩ ዝሕግዝ ፕሮጀክት እዩ። መሰረታዊ መበገሲ እዚ ጥምረት ሰባት ብፅሬት ክሰርሑን ዓቕሞም ከዕብዩን ከምዘለዎም ክርድኡ ምኽራዊ ሓገዝ ምሃብ እዩ። እቲ ጥምረት ብካውንስል ሰደተኛታት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ገንዘባዊ ሓገዝ ዝንቀሳቐስ እዩ። (www.frsh.de)
ንተወሳኺ ሓበሬታ እዚ ረኣዩ፡ www.iq-netzwerk-sh.de
ዋና መተሓባበሪ እቲ ጥምረት ፋርዛነህ ቫጂ-ቮብ፥ ኢ-ሜይል: fvv@~@frsh.de ስልኪ: 0431556-856-47
ተወሰኸቲ ኣናእሽቱ ፕሮጀልትታ ጥምረት ብውፅኢት ( IQ)፡
HSP 1: Anerkennungs- und Qualifizierungsveratung
Anerkennungs- und Qualifizierungsberatung - ምኽሪ ኣፍልጦን ብቕዓትን
IQ Faire Integration Schleswig-Holstein - ምኽሪ ኣብ ሓደ ንዘይረግኡ ሰራሕተኛታት
HSP 2: Qualifizierungsmaßnahmen
መመዘኒ ረቛሒታት
HSP 3: ተሳትፎ (Teilhabe)
ፕሮጀክት ሶቨራን - "SOUVERÄN – migrantischeSelbstorganisationzurberuflichen Integration" (ዓርሰ -ምሕደራ ስደተኛታት ንተሳትፎ ስራሕ
- ስልጠና ኣብ ጉዳይ ሕብረ-ባህላዊ ግልፅነትን ፀረ-ምጉናይን - diffairenz – Schulungen zur interkulturellen Öffnung und Antidiskriminierung
- ፀረ- ምጉናይ ደው ምባል - Mit Recht gegen Diskriminierung!
HSP 4: ጥምረት ሰብሞያ
ጥምረት ክልላዊ ስፔሻሊት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን
ጉጅለ ሶቨራን
Danica Fröhlich
ሓጋዚት ፕሮጀክት ሃውስ ቻይልድ
Mahmoud Abu Lahem
ፕሮሞተር SOUVERÄN
ካውንስል ስደተኛታት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን
ካውንስል ስደተኛታት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ስፖንሰር ፕሮጀክት ሶቨራን እዩ። ካብ 1991 ጀሚሩ ድማ ትምህርትን ግልጋሎት ምኽርን ክህብ ፀኒሑ እዩ። ፖሊሲ ስደተኛታት፣ ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ፣ ጥምረታት እንትፍጠሩ ምትሕብባርን ካልኦትን ስራሕቲ እውን ይፍፅም። ሜህር ላን ሲች ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል።
ካውንስል ስደተኛታት ሽሌስቪህ - ሆልስቴን (Flüchtlingsrat Schleswig-Holstein e. V.)
ሶፊንብላት 82-86
24114 ኬለ