ኣቕርቦት

ግልጋሎታትና ናይ ስደት ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ኩሎም መሰረት ዝገበረ እዩ። ግልጋሎትና መንበሪኦም ኣብ ድላዩ ይኹን ናብ ዕድል ስራሕ ዝረኸቡ ሰባት፣ ናብ ስራሕ እናተቓረባ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሓደሽትን ኣብ ምጥያሽን ዝርከባ ትካላት ስደተኛታት፣ ማሕበራት ስደተኛታት፣ ከምኡ እውን ሰባትን ጉጅለታትን ነበርቲ ሽሌስቪህ - ሆልስቴንን የጠቓልል። ሽቶና ኣብ ስራሕ ዓለም ዘሎ ተሳትፎ ምጥንኻር እዩ።

ከም ድሌት ስደረኛታት ኣብዞም ዝስዕቡ ርእሰ ጉዳይ ስልጠናን ግልጋሎት ምኽርን ንህብ

  • ንማሕበራትን ፕሮጀክትታትን ፋይናንሳዊ ዕድል ምርካብ
  • ትካላዊ ማዋቕር ምስራሕን ምጥያሽን
  • ዕድላት ትምህርቲ
  • እዋናዊ ጉዳያት ሕጊ ከምኡ እውን
  • ፖለቲካዊን ማሕበራዊ ጀርመን

 

ካብዚ ብተወሳኺ ጉዳይ እንትተመልክቱ ይኹን ፀገማትን ማሕለኻታትን እንተጋጥምኹም ሓገዝ ይግበረልኩም። ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ይኹን ሰበስልጣን ብቐሊሉ እትረኽብሉ መንገዲ ነተዓራርየልኩም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዞም ዝስዕቡ ግልጋሎታት እውን ንህብ፡

  • ስልጠና
  • መዕበዪ ዓቕሚ ወርክሾፕ
  • መድረኽ ሓበሬታ
  • መድረኽ ዘተ
  • ዑደት ፋብሪካታት
  • ምስ ስራሕ ዝተዛመደ ዑደት ከምኡ እውን
  • ጥምረትን ኮሚቴ ሓበሬታ ስደተኛታትን ምጥያሽ

ግልጋሎታትና ኣብ መላእ ሽሌስቪህ - ሆልስቴን ዝርከቡ ሰባት ብዘቕቡዎ ድሌት መሰረት እዩ።

ድሌት ወይድማ ሕቶ እንተልይዎም ክነተኣናግዶም ድሉዋት ኢና።

ኣድራሻ